Forside

ናብ ሃድሰል ASVO እንኳዕ ብደሓን መጻእኩም።

ሃድሰል ASVO አብ ሜልቡ ዝርከብ ትካል ኮይኑ ንዓኻ/ኺ ናብ ስራሕ ንኽትዋፈር/ሪ ይሕግዝ። ዕላማና ድማ ዝሰማምዓካ/ኪ ስራሕ ንምርካብ እዩ። እዚ ድማ ምሳኻ/ኺ ሓቢርና ድልየታትካን ክእለታትካን ብምምዛን ብሓባር ኮይንና እንሰርሖ ስራሕ እዩ።

ስራሕ ንምርካብ ንኽንሕግዘካ ድማ ምሳና ከም ልምምድ ስራሕ ትጅምር። አብ ናይ ልምምድ ስራሕ ክሳብ 3 ዓመት ክትጸንሕ ትኽእል። አብ ስራሕ ትጸንሓሉ ሰዓታት ድማ ካብ 18᎐5 ሰዓታትኣብ ሰሙን ወይ ልዕሊኡ ክኸውን ይኽእል። NAV ምሳና ናይ ልምምድ ስራሕ ምስ ረኸበልካ፡ ብኡ መሰረት ድማ ደሞዝካ ካብ NAV ትቕበል። ካብቲ NAV ዝኸፍለካ ደሞዝ ወጻኢ ካባና ተወሳኺ ደሞዝ ኣይትቕበልን። ናትና ዕላማ ግን  ኣብቲ ቅሩብ ዝኾንካሉ ግዜ ቀዋሚ ስራሕ ንኽንረኽበልካ እዩ።

  • ዕላማና ብመንገዲ ናይ ስራሕ ልምምድ ኣብ ትካልና ወይ ኣብ ካልኦት ትካላት ኣቢልካ ሓጎስን ምዕባለን እትረኽበሉ መንገዲ ንምንዳይ እዩ።
  • ክእለታትካ እንተድኣ ኣማዕቢልካዮን ናብ ናይ ልምምድ ስራሕ ናይ ምኻድ ድልየታት እንተ ኣርኢኻን ቀዋሚ ስራሕ ንኽንረኽበልካ ዝቐለለ ይኸውን።
  • ናይ ኖርወይ ቋንቋ ንኽትለማመድ ዕድል ይፍጠረልካ።
  • ኣብ ኖርወይ ናይ ስራሕ ሂወት ከመይ ከም ዝመስል ክትርኢ የኽእለካ።
  • ብመገድና ኣቢልካ ምስ ካልኦት ሰባት ናይ ምርኻብ/ ምፍላጥ ዕድል ትረክብ።
  • ናይ ስራሕ ጥርዓን ምጽሓፍን ቃለ ምሕትት ናይ ምግባር ዕድልን ትረክብ።
  • ምስ ኣማኻሪ ብሓባር ብምዃን ኣብ ናይ ስራሕ ልምምድ ኣብ ትጸንሓሉ እዋን፡ ኣብቲ ኣገደስቲ ዝኾኑ ልምምዳት ብምትኳር መደብ ንሕንጽጽ።

ሃድሰል ASVO እዞም ዝስዕቡ ውሽጣዊ ክፍልታት ማለት ናይ ልምምድ ስራሕ ክትከደሉ ትኽእል ቦታታት የጠቓልል።

 

  • ኣብ ጥቕሚ ዝወዓለ ንብረት መሸጢ ድኳን
  • ቤት ሕጽቦ
  • ውጽኢት ዕንጸይቲ
  • ቤት መግቢ/ ጽሬት
  • ናይ ጽገና ክፍሊ
  • እብ ጥቕሚ ዝወዓለ ንብረት መሐደሲ ትካል
  • ተሓጋጋዚ ቤት ጽሕፈት ኣብ ምምሕዳር 

 

Kontaktinfo

Hadsel ASVO
Strandgata 58
8445 Melbu
Tlf: 761 18 600
Denne e-postadressen er beskyttet mot programmer som samler e-postadresser. Du må aktivere javaskript for å kunne se den.

Facebook